ዓሚቝ ብሄራዊ ምፍልላይ ኣብ መንጎ እቶም ንዘመናት ሕውነት ዝነበሮም ማሕበረሰባት ልዑል ዘይምትእምማን ፈጢሩ። እዚ ጸገም ድማ ብዘሕዝን መንገዲ ናብ ውግኣትን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ናብ ዘይፍለጥ ዕንወትን ተሰጋጊሩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሞይቶም፣ ቆሲሎም፣ ተሳቒዮም፣ ተዓሚፀንን ተመዛቢሎምን እዮም። እቲ ሓደጋ ድማ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ምቁራጽ ቀጺሉ ይርከብ።
እቲ አጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ንረብሕኦም ደው ብዝበሉ ናይ ዉሽጥን ወጻእን ሓይልታት ተባአኢሱን ተቀጻጺሉን አሎ። እቲ ዘሕዝን ግን እዞም ተዋሳእቲ ሕጂ ‘ውን እንተኾነ ዝኾነ ይኹን ዕርቂ ከይመጽእ ዕንቅፋት ኮይኖም ይርከቡ። ብዘይ ወሳኒ ኢድ ኣእታውነትን ተሳትፎን ግዱሳት ዜጋታት፣ እቲ ዘይተርፍ ውጽኢት ህልቂት ሕድሕድን ዘሕዝንን ዕንወትን ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ቅድሚ ምዃኑ ደው ክነብሎ ይግባእ።
እቲ ጸገም ንምፍታሕ አብ ዝግበር ጻዕሪ ክሕግዙ ይኽእሉ ኢዮም። ምስ ተስፋ ንሰላም ብወለንታ ብምጽንባር ሰላምን ዕርቅን ንኽመጽእ ጽልዋ ይፍጠሩ። ማሕበረሰባት ብምርኻብ፣ ዘተ ብምምዕባል፣ ሰላማ ዘለወን ክልላትን ዝያዳ ስምረት ዝነገሰላን ኢትዮጵያን ንምህናጽ ግዜኦም፣ ክእለቶምን ሓይሎምን የበርክቱ። ብሓባር፣ ስኒትን ምርድዳእን ዝዓሰላ ሃገር ክንፈጥር ንኽእል ኢና።
ተስፋ ንሰላም ካብ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ኣምሓራን ትግራይን ዝመፁ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ውልቀሰባት ዝፈጠርዎ ናይ ሓባራዊ ፃዕሪ ውፅኢት እዩ። ናይ ሓባር ስኽፍታና ካብቲ ኣብ መንጎ እዞም ንዘመናት ዝፀነሐ ታሪኽን ትውፊትን ዘለዎም ኣሕዋት ህዝብታት ዝተፈጠረ ዝምድና ዘበላሸወ ከቢድ ተጻብኦን ጎንፅን ዝብገስ እዩ። ቀንዲ ዕላማና ንጹር እዩ: ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ ብዝተገበረ ኲናት ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፅልኢ ብንጥፈት ምክልኻልን ምፍታሕን እዩ። ሰላምን ምርግጋዕን ናብ ክልላትና ንክምለስ እውን መንገዲ ንምፅራግ ቆሪፅና ተላዒልና ኢና።
መሰረት ተስፋ ንሰላም ካብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍሉይን ዘይተለምደን ቅርሕንቲ ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን ዝጅምር እዩ። እዞም ክልተ ሕብረተሰባት ዓሚቝ ታሪኽ፣ ናይ ሓባር ህላወ፣ ባህላዊ ሓድነት፣ ሓባራዊ እምነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ኣለዎም። እዚ ጽልኢ ኣብ ፖለቲካዊ ልሂቃን ጥራይ ዝተሓጸረ ዘይኮነስ ኣብ ህይወት ካሎት ሰባት ሰፊኑ ኣሎ። እዚ ጎንጺ ኣብ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ዓብዪ ሰብኣዊ ስቓይን ንብረታዊ ዕንወትን ኣስዒቡን ንሃገር ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩ ይርከብ። ተሳትፎ ሓይልታት ወጻኢ ድማ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘሎ ስግኣት ዝያዳ ኣጋዲድዎ ይርከብ።
ዕላማን ተልእኾን ተስፋ ንሰላም፡ ኣብ መንጎ እዞም ብታሪኽ ዝተኣሳሰሩ ማሕበረሰባት ሰፊኑ ዘሎ ጽልእን ጎንጺን ንምውጋድን ንምቕራፍን እዩ። ድልየትና ካብ ተራ ዕርቂ ዝሓለፈ ኾይኑ፤ ኽልቲኦም ህዝብታትን መራሕቶምን ብሰላማዊ መንገዲ፣ ብዘተ፣ ብድርድርን ብሕጋዊ መስርሕን ፖለቲካዊን ካልእን ፍልልያቶም ዝፈትሕሉ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር እዩ።
ሱርን መፍትሒን እዚ ቅልውላው ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ተስፋ ንሰላም ዘይፖለቲካዊ ኮይኑ ክቕጽል ኣብ ዘለዎ ተወፋይነት ጽኑዕ እዩ። ንፖለቲካዊ ስልጣንን ጽልዋን ዝኾነ ህርፋንን ድልየትን የብሉን። ብሕታዊ ዕላማና ኣብ ምድላይ ሰላምን ንቡር ዝምድና ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን ሃናጺ ተራ ምጽዋት እዩ። ከም ሓደ ውሱን ኣጀንዳ ዘለዎን ቀዋሚ መሓውር ወይ ሕጋዊ ደረጃ ዘይብሉ ዘይቀዋሚ ትካል መጠን ትኹረትና ዘይንቕነቕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ተልእኾና ብቐንዱ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ትግራይን ኣምሓራን ንዘለዉ ጉዳያት ዝምልከት እንትኸውን እዞም ብድሆታት ምስ ሰፊሕ ኩነታት ሃገራዊ ጉዳያት፣ ድሌትን ረብሓን ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ንኣምን። ስለ ዝኾነ ድማ ዓወት ተልእኾና ብኽፋል ኣብ ንጡፍ ተሳትፎን ደገፍን ማሕበረሰባት መሉእ ሃገር ይምርኮስ። ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ማሕበረሰባት ዘሎ ተጻብኦ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ምርግጋዕ ዘለዎ ጽልዋ ርድኢት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ ብሓጎስ ንቕበል። ብሓባር ብምኻን፣ ዝያዳ ፍትሓዊት ዝኾነት፣ ሓድነታ ስጡምን ሰላማዊትን ኢትዮጵያ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና።