ታሕሳስ 29፣ 2016 ዓ.ም
ኲናትን ዕንወትን ጠጠው ይበል!
ፃውዒት ካብ ምትእኽኻብ ተስፋ ንሰላም
ኢትዮጵያ ካብ 2012 ዓ/ም ጀሚራ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣዐርዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ። እዛ ልዕሊ 120 ሚልዮን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋን 10 ሚእታዊት ህዝቢ ኣፍሪቃ እትሽፍንን ጥንታዊ ሃገር በቶም ካብ ዝፍጠሩ ቀውስን ዕግርግርን ትርፊ ንምርካብ ብዝጓየዩ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይልታት እናተጎሳቖለት ትርከብ። ሕዳር 2015 ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብዘይምፍፃሙ ምኽንያት ቧዕ ኢሉ ዝነበረ ተስፋ ልቢ ብዝሰብር መልክዑ ተዓንቂፉ እነሆ ዋላ ድሕሪ ዓመት እውን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ሕዚ እውን ብጥሜትን ብሰኣኖ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕናን እናረገፈ፣ ዝተፈናቐለ ህዝቢ እውን ናብ ቦትኡ ከይተመለሰ ኣብ ስቓይን መከራን ተሳጢሑ ይርከብ።
ቅድሚ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕሊ ስምምዕ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ሃገር ብዘነፃፀረ ዕንወት ምኽንያት ብቐንዱ ኣብ ትግራይ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ክልላት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ንጹሃት ዜጋታት ከምተቐዝፉ ገለ ምንጭታት ይግምቱ። ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ምሕደራ፡ መለለይ ባህሪኡ ዝኾነ ናይ ምፅናት ስልቲ ተጠቒሙ ንህዝቢ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ክባን ዕፅዋን ኣእትይዎ፡ ከምኡ እውን ካብ መላእ ዓለም ክፈላለ ገይሩ ቃላት ብዘይርከቦ ፀበባን ጸገምን ክምንምን ምግባሩ ከይኣክል ድሕሪ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ እውን ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖምያዊ፣ ሰብአዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ዳሪግዎ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ኣብ ክልል ኣምሓራ እውን ብተመሳሰልን ብዘሕዝንን መንገዲ ይድገም ኣሎ። እቲ ክልል ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ክንፀል ተገይሩ ኣሎ። ንፁህ ህዝቢ ኣምሓራ ብዘረብርብ መንገዲ ግዳይ መጥቃዕትን ደብዳባት ድሮንን ይኸውን ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ እውን ኣብ መጋርያ ፈንጂ እናተቓፀለ፣ ብዓረራት ጥይት እናቖሰለ፣ ብጥሜትን ብኽልከላን ዕንወትን ኣገልግሎታት ሕክምናን እናረገፈ ይርከብ። በዚ ዘይፀገበ እዚ ምሕደራ አብ ልዕሊ ንጹሃት ዝገብሮ ዘሎ ጅምላዊ ግፋ፣ ዓፈናን መጭወይትን ከምኡ እውን ኣብ ዕንወትን ዝምታን ንብረት ኣዝዩ ዝኸፍአ በደልን ነውፅን ምስዓቡ ይቕፅል ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ዝተረኣየ እዚ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ዘለዎ ክልል ናብ ከቢድ ናይ ህይወት ደልሃመት እንትጥሕል ብዓይንና ክንርእይ ተገዲድና አለና።
ብዝገርም ኩነታት ድሕሪ 1977 ዓ.ም. ንመጀመርያ ግዜ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ብሰንኪ ጥምየት አብ ሓደጋ ሞት ይርከቡ። ቐዲሙ ክበጽሐሎም ዝግብእ ማእከላይ መንግስቲ ሓላፍነቱ ክፍጽም ስለዘይከኣለ ዜጋታት ብሰንኪ ጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ብምኽሓድ ይካራኸር አሎ። እዚ ዘርእየና ህላወ ህዝቢ እዘን ክልተ ክልላት ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት አብ ክንደየናይ ሓደጋ ከምዘሎ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ማእከላዊ መንግስታት ካብ ዝነበሮም ሃገር ናይ ምርግጋእ ታሪኻዊ ግደ ብተቓራኒ፡ እዚ ናይ ሕዚ ምሕደራ ብዘደንግፅ ኩነታት ኣብ መንጎ ክልላት፣ ብሄራትን ማሕበረሰባትን ኰነ ኢሉ ብዝእጉዶ ጽልኢ ፍልፍል ናዕቢ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ ብፍላይ ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣምሓራን ትግራይን ጎይቊ ብምፍጣርን ውጥረት ብምውላዕን ሕዚ እውን እዚ ክገብር ከምዝክእል ዘየላጥዩ መረዳእታታት ዝተርኣዩ ምዃኖም ግልፂ እዩ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ናይ ምብአስ ተግባር ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ።
ብሰንኪ ነዛ ሃገር እናደቖሳ ዝርከብ ናይ ኲናት ዓንኬል እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ብዘሎ ስእነት ስራሕን ከም መምዘኒ ወሲድካ እንትርአ ኢትዮጵያ ብዘሰክፍ ቁጠባዊ ውድቀት ትንህር ኣላ። ኣብ መላእ ሃገር ወራር ጥሜት ኣጋጢሙ ኣሎ። ብምክንያት ስእነት ፀጥታን ናይ ድሕንነት ስግኣትን ምንቅስቓስ ዜጋታት ተገዲቡ ኣሎ። እቲ ምሕደራ ብተደጋጋሚ ናይ ልቃሕ ወለድ ምኽፋል ስኢኑ ዓለም ለኻዊ ግዴታቱ ምፍፃም ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ክሊ እዚ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቀረባ እዋን ብዝወልዕዎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ንሱ ዝፈጠሮ ሃልክን ካብቲ ሓቂ ዝረሓቐ ካልእ መጋደዲ ፀገም ኰይኑ ቀንዩ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝተገብረ ፈተነ ስምምዕ ምፍሻሉ ተታሒዙ ዘሎ አንፈት ናይ ጥፍኣት መንገዲ ዘርኢ እዩ።
ተስፋ ንሰላም ኣብ ክልቲኦም ዝለዓለ በዝሒ ህዝቢ ዘለዎም ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ከምኡ እውን ኣብ ካለእ ዝተወለዑ ዓውድታት ኲናት ብቅልጡፍ ጠጠው ክብሉ ህፁፅ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ እቲ ናይ ውድቀት ዓንኬል ከምዝቕፅል ይኣምን። ኢትዮጵያ አብ ዕለታዊ ናዕብን ዘይምርግጋእን ጥሒላ ምቕፃላ እውን ግድን ክኸውን እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ምህላዋ ነቲ ቀንዲ ዋና ናይቲ ጉዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓለምለኻዊ ማሕበርሰብ እውን አዝዩ ከገድሶ ይግባእ ንብል። ስለዚ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ዓቢ ታሪኻውን ስትራተጂካውን ረብሓ አብ ዘለዋ መንበሪ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ግቡእ ትኹረት ንኽገብር ንምሕጸን። እዚ ናይ ምሕፅንታ ፃውዒት እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ፅዕንቶ ምሕዳርን ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዘለዉ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ ምፅዋዕን ይሓውስ። ብኣንጻሩ እዚ ህፁፅ ስጉምቲ ብዘይ ወዓል ሕደር ዘይምትግባር ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናብ ካልኦት ከባብታት ዘባፃሕ መዘዝ ዝሓዘለ፣ ናይዚ ዘበናዊ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ መንግስታዊ ልምሰት ከምዝኸውን ኣየጠራጥርን። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዝቃላሕ ናይ ሰላም መለኸት ዝምልከቶም ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ብሓባር ደው ክብሉ ደጊምና ፃውዒትና ነቕርብ።
ተስፋ ንሰላም፣ ሰሜን አሜሪካ
ሰላም ንህልውናና!