Phone:

666 888 0000

ኢሜይል:

contact@h4peace.org

ብዛዕባና

ኢትዮጵያውያን ንሰላም ኣብ ሓደ ምምጻእ

ብዛዕባ ተስፋ ንሰላም

ተስፋ ንሰላም ካብ ክልቲኡ ማሕበረሰባት ኣምሓራን ትግራይን ብዝመፁ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ውልቀሰባትን ዝምራሕ ሓባራዊ ፃዕሪ እዩ። ትካልና ዝተጣየሸ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ናይ ዘመናት ሃብታም ታሪኽን ባህላዊ ውርሻን ዝካፈሉ ኣሕዋት ህዝብታት እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ተጻብኦን ጎንጽን ስለ ዘተሓሳሰበና እዩ። ቀንዲ ተልእኾ ተስፋ ንሰላም ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን ብፍላይ ኣብቲ ዝሓለፈ ኲናት ዝማዕበለ ከቢድ ተፃብኦ ንምፍታሕን ሰላምን ምርግጋዕን ናብ ክልላትና ንምምላስ መንገዲ ምኽፋትን እዩ።

Hope 4 Peace
ናይ ዘመናት ሓባራዊ ትውፊት ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎንጺ

ኣድላይነት ህጹጽ ዕርቂ

ምቛም ተስፋ ንሰላም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅርሕንቲ መሰረት ዝገበረ እዩ። እዞም ክልተ ማሕበረሰባት ነዊሕ ታሪኽ፣ ዝተኣሳሰረ ህላወ፣ ናይ ሓባር ባህሊ፣ እምነትን ሃይማኖትን ዘለዎም ኢዮም። እዚ ጽልኢ እዉን ኣብ ፖለቲካዊ ኤሊታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ንካሎት ሰባት እውን ጸልይዎም ይርከብ። እቲ ጎንጺ ኣብ ክልቲኡ ማሕበረሰብ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ነታ ሃገር ኣብ ዝኸረረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ኣሎ። ንህላወ ህዝብን ሃገርን ዝፈታተን ርኡይ ናይ ወፃኢ ምትእትታው ‘ዉን ስዒቡ ይርከብ።

ሰላማዊ ተልእኾና

ሰላም ዝመልኣ መጻኢ ምስራሕ

ተስፋ ንሰላም ንጹርን ክቡርን ዕላማ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ እዞም ብታሪኽ ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ ማሕበረሰባት ሰፊኑ ዘሎ ጽልእን ግርጭትን ደው ምባልን ጥዑይን ሰላማውን ዝምድናታት ምምዕባል እዩ። ጉጅለና ክልቲኦም ህዝብታትን መራሕቶምን ብዘተ፣ ብድርድርን ብሕጋዊ መንገዲን ፖለቲካውን ካልእን ፍልልያቶም ዝፈትሑሉ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምፍጣር ክጽዕር እዩ። እቲ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካዊ ሱር ዘለዎ ምዃኑ ብምእማን ተስፋ ንሰላም ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ይኹን ናይ ስልጣን ባህጊ ከምዘይብላ ክንገልጽ ንፈቱ። ብተወሳኺ፣ ንሕና ውሱን ኣጀንዳ ዘለናን ቀዋሚ መሓውር ይኹን ሕጋዊ ተፈላጥነት ዘይብልና፣ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ኣምሓራን ትግራይን ሰላምን ንቡር ዝምድናን ኣብ ምምፃእ ሃናፂ ተራ ንምፅዋት ጥራሕ ዝተወፈና ዘይቀዋሚ ትካል ኢና።